ተቐማጢት ካልጋሪ ዝኾነት ሰበይቲ ኣብ መርከብ እንከላ በዚ ሓድሽ ኮቪድ -19ን (COVID-19) (ኮሮና ቫይረስ) ከምዝተታሕዘት ተገሊጹ።

ተቐማጢት ካልጋሪ ዝኾነት ሰበይቲ ኣብ መርከብ እንከላ በዚ ሓድሽ ኮቪድ -19ን (COVID-19) (ኮሮና ቫይረስ) ከምዝተታሕዘት ተገሊጹ።

ኣብ ክሊ ዕደመ 50ታት እትርከብ ነባሪት ኣልበርታ ካልጋሪ ዝኾነት ሰበይቲ ግምታዊ ዝኾነ ምርመራ በቲ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ከምዝተጠቕዓት ዝተሓበረ ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ነይሩ።   እዛ ሰበይቲ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብታ ዓባይ ልዕልቲ (Grand Princess cruise ship) እትበሃል መርከብ እንከላ እዚ ኮቪድ -19 (COVID-19) (ኮሮና ቫይረስ) ዝበሃል ቫይረስ  ከምዝሓዛ እዩ ዝእመን። ናይዚ ኣውራጃ...